ሙዚቃ ትግራይ (ትግርኛ)፣ ፍቱን መጠበሪ ዉቃበ!

(Wurayna, monthly published Tigrigna leading privet magazine)
ብሓው ስላስ ኮረንቲ

እንኪ ሸዋ

መእተዊ ሓደ ፅሑፍ ከም ኣተኣታትዋ ኣታዋይ እዩ ይመስለኒ እሞ መእተዊ እዚ ፅሑፍ ንሎሚ ፀርፊ ዘይንገብሮ። ይኹን።

ሓደ ሰብ ረሳሕ እንተይሉኳ ማይ ምፍታው። ዓንጓር፣ ነፋጥ ኢሉ እንተፀሪፉካ ኣፍንጫኻ ብመንዲል ሃሰስ፣ ፊጥ ምባል።

እንተዘይሃልዩካ ኣይምልከተንን ኢልካ እቲ ተዛራቢ ፀገም ስነ ኣእምሮ ደኾን ይነብሮ ይኸውን ኢልካ ከም ሓው መጠን ትሓዝነሉ እሞ ፈውሰ ምሕረቱ የውርደልካ ኢልካዮ ትሓልፍ። ካልኦት ከም እኒ ጨፋር ኣፃብዕቲ፣ ገጣጢ እንጣጢዕ፣ ደፍዳፊ ዓውሶ፣ መሕፈሪ ኣጋይሽ፣ ዒጠን መቐበሊ ማይሊጠን፣ ጀልኣቭ ጌፋፍ ስረ ኽረምቲ፣ ዝሓደረ ሓምሊ ፣ ዓማል ስኒ ብራኳ (እታ እኳ ሜድ ኢን ስዊድን ዝብል ፅሑፍ ዝነበራ ብጫ ብራኳ) ረይጣጥ፣ ዓራቑ፣ ጥሙይ ቁማል፣ ወደል ሃዝራጥ ወዘተ ዝኣምሰሉ ዘናጫት ፀርፍታትና እውን ከምኡ ዝምልከተካ እንተኾይኑ ትእርሞ፣ ዘይምልከተካ እንተኾይኑ ንተፃራፋይ ጋቭር ጨጓር ምሕረት ንኸውርድሉ ተመኒኻ ትሓልፍ እምበር ኩራ፣ በትርን ምንታዕንስ እንታይ ኣምፀኦ?

እኒሀውልኩም ድማ መልኣኽ ዘይብሉ፣  ፅላሎት ዘይብሉ፣ ድሁል መልኣኽ፣ ውቃበ ዘይብሉ ውቃበኻ ትርሓቕ፣ ግፉፍ ቆለ፣ መልኣኽካ ይግሽ፣ ወዘተ ዝብሉ ፀርፍን ጎረቤቱ ንፀርፍን፣ መርገምን ጎረቤቱ ንመርገምን ዝኾኑ ኣገላልፃታት ትግርኛ ትሕዝቶኦምን መልእኽቶምን ልዕሊ ደረጃ ሃፍትን ድኽነትን፣ ልዕሊ ግዳማዊን ኣካላዊ ርእይቶን ኮይኖም ንመንፈሳውን ውቃቤኣውን (ሓዙላተይ እዛ ውቃቤኣዊ እትብል ቃል ኣይንሳደድን ሎማዓንቲ) ኩነታት ውልቀ ሰብ ዝጥቁሙ ንበይኑ ዓይነቶም ኣፃርፍ።

ውቃበ ኸ እንታይ ማለት እዩ ነበረ ደቀይ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝተፀሓፉ ድርሳናት ‘ብዒባ’ (“እንታይ ብዒባ ባቭትርቲ እምበይ” በለ ሓደሲ)  ብዛዕባ ውቃበ ብግቡእ ተሰኒዶም ስለዘይተቐመጡ፣ እንተሃልዮም ድማ ወይ ሰኣን ኣዞና ወይ ሰኣን ኣራኽቦና ስለዘይረኸብናዮም ንወግዒ ስለዝሃፀፅና ንሎሚ ብዝመሰለና ክንፋርኽ።

ውቃበ ዝብል ቃል ቀጥታ ምትርጓም ንግዚኡ ዋላ እንተተሳኢኑና ቆለይ ተላዒሉ፣ ውቃበይ ጠቢረ፣ ቆለይ ግፍፍ ኣቢሉኒ ወዘተ ብዝብሉ ሓረጋትን ኣባህላታትን ንኽበባ እሞ ፈርፊርና ፈራፊርና መእተዊ ኣይንስእነላን። ኣጆኹም ናይና።

ልዕል ኢለን ካብ ዝተዘርዘራ ብሂላት ውቃበይ ጠቢረ እትብል መሪፅና ንእቶ። ዝጥበር ነገር መቸስ ተኣናፊ ምዃኑ ኣይተርፍን። ውፅኢት ትእንፍቲ ድማ ምጉራዕ እዩ ንበል። (ኣቤት ውድብ ብዛዕባ ቆለን ውቃበን ሓንቲ ገፅ መፅናዕቲ እንተይገበረት ድሑር ባህሊ እዩ ብምባል ኣሸኪታ ክንደይ መጉረዓይ እየ በሃሊ ብኾርማጅ ቀጥቀጠት ክንደይ ረኮበት፣ ጀበናን ፈናጅልን ሰበረት ዕጣን ቀላዒ መፅሓፍን ጠንቁዋልን በታተነት ደሓርስ እኳ ዓዲ ብዓዳ ፍንጃልን ጀበናን ኮነት እሞ ኩሉ ናብ ውቃቢኡ ምጥባር ኣተወዋ።  ማሕበር ቆለኛታት፣ መጉራዕትን ጠንቆልትን ትግራይስ ኮይንዎ ድዩ እንተይተመስረተን ንመሰሉ እንተይተቓለሰን ክቐሪ?) ናብ ወግዕና ደኣ። ምጉራዕ ድማ ኣብ ጓይላ ንበል፣ ምጥባር ድማ ብስሙያት (ጥሉላት) ወቓዕቲ ከበሮን ጣቕዒትን ንበል፣ ዝርዝር ካብ ምውዓል ምእንቲ ክንገላገል ወዘተ እውን ንበል። እንታይ ንበልንበል ደኣ እዩ እውን እምበር።

እሺ ብዜካ ኣብ ጓይላ ትግራይ ከ ኣብ ጓይላ ኻልኦት ምጉራዕ ኣሎዶ? ክሳብ ሎሚ ኣይረኣናን ኣይሰማዕናን። እንተሃልዩ እውን ይሃሉ ኣይግድሸናን። እሺ ምጉራዕ እንተዘይሃልዩ ኸ ምጥባር እንታይ ኣምፀኦ? ዘይመፀ። ባዕልኽን መምፅኢት ደርፊ ባዕልኽን መጥፍኢት ደርፊ።

ድንቂ እሞ ውቃበ እንታይ እዩ? ሙዚቃ ትግራይ ከ ንውቃበ ከመይ ክጥብሮ ኸኣለ? ሓደ ዘይፈለጥናዮ ዘይተነግረ ዝምድና ውቃበን ሙዚቃ ትግራይን ደበኽ። ሓዘ መሰለኒ መልጎም ጨርቁ! ደጊም ኣዛው ምውጣር ሸገ ዓርከኒ።

እንታይነት ውቃበ ኣይትበረሀናይ ዶ ብልና ነቭርና እማነይ? እንኳዕነይ። ኣብ ሞንጎ ውቃበይ ማዙቃ ትግርኛይ ዝምድና እንድሕር እነሆ ኣዛው ኣያም ማለት ጨለ። ትደይመለስናያ ’ውን ብዓዳ ሕቶ ብሕቶ ገብርና ሰብ ዳበለት ህራስ ናስእና። ታኾን ገውርና እዩ ’ዛኹላይ ምንቅይና? አረ ጭርቆስ ዓፀላ! ደይምንቅይና፣ ህራስ ታ ክዓዪ? ሰቭ ዳበለ ሓንጎሉ ካድዝዕግስ ትትመራመረ ብልና ደኣም።

ነገሩስ ውቃበ ዶ ብዘይ ሓደ ተኣምር ተጠቢሩ ተኣምሩ ኣበይ ወገን ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረናን ሕቶናን እነሆ።

ህርመት ከበሮ ትግራይን ህርመት ልቢ ወዲ ሰብን፣ ክርታት ክራር፣ መሰንቆን በገናን ኣሰራርሓ ስርዓተ መትኒ ደቂ ኣዳምን፣ ትልሂት ትግራይን ስርዓተ ዑደት ደም፣ ሕምባበን ቅርፅን መሬትን ስርዓተ ፀሓይን፣ ቅርፂ እቲ ክቢ ብዘየገድስ ምስጢር ምኽባቦም እንታይ ይበሃል? ዓይንኻ ዓሚትካ ቅንዕ ኢልካ ሰለለለለለል ምባልን ተመስጦን፣ ኣዴታት ኣብ ጓይላ ትግርኛ ዝደቀሱ ቆልዑ ሓዚለን እዙ ኹሉ ኸበሮ ሂር እናበለ እንትለሃያ ምስጢር ዘይምርባሾም ካብ ድቃሶም ብር ዘይምባሎም ይገርም፣ ደርብ ደርብ ተባሂልካ ሕሕይ ሕሕይ ሕሕይ ሕሕይ ምባልን ርግብግቢት ተፈጥሮን፣ እሞ ድማ በዚ ሎሚ ምስቲ ምስጢር ህይወትን ዩኒቨርስን ክፈልጥ ዝደለየ ኣብ ጉልበት፣ ርግብግቢትን ማዕበልን (energy, vibration and wave) ማሳ ንማሳ (respectively) የስተብህል፣ ኣብ ዝበሃለሉ ዘበን ሳይንስ፣  ውህደት እዚ ኹሉ ዝፈጥሮ ፍቱን መድሓኒት ውቃበን ብሰብ ሞያ እዚ ዓውዲ ተዓዩ ክሳብ ኣብ ኢድ ሕድሕድና ዝኣቱ ወግዒ ምውጋዕ መን ከልከለ?

እዚ ኹሉ ህርመትን ክወናን ምስ ህርመትን ክወናን ተፈጥሮ ካብ  ሞለኪዩል፣ ዋህዮን ኣተምን ክሳብ ዩኒቨርስ ብስኒት ዝቐመመን ዝመሃዘን ሕብረተሰብ ኣብ ከመይ ዝበለ ዕምቆት ርድኢት ዝነበረ እዩ? ዝብል እውን መልሲ ይርከብ ኣይርከብ ብዘየገድሽ ምሕታት ፅቡቕ እንተይኮነ ኣይተርፍን።  ንሎሚ ስምዒታትና ነውግዕ።

ድምፂ ከበሮ ትግርኛን ውቅዒት (ህርመት) ኣብ ሙሉእ ጥዕና ዘሎ ልብን ይሳነ። ዘይኣመነ እንተሎ በዓል ስቴተስኮፕ ንዓ እቶ በሎ።

ምስጢራት ህይወት ተፈጥሮን ልዑል ግንዛበ ወዲሰብን ክምርምሩ ዝደልዩን ዝብህጉን ሳይንቲስትታት ዓለም ናብ ትውፊታት ሙዚቃ ትግራይ ገፆም እንተመሊሶም ብርግፀኝነት ጥርሖም ኣይክምለሱን።

ዕሕሕ! እሞ ክንፀዊ ዶ?

ምኽባብ ፊደል ‘ዐ’ን ዓይንን ሽማ እውን ዐ ዓይኒ እያ፣ ኣብ ዓለም ዘላ ፊደል ‘ዓ’ን ቅርፂ ዓለምና ምስ ዘንጊ ሕምባበኣን ን ‘ዓ’ ትመስል። ምምስሳል ቅርፂ ፊደል ‘ፀ’ን  ፀሓይን ሽማ እውን ፀ ፀሓይ እዩ። ፀሎት፣ ሜዲቴት ዝገብር ሰብን ወይ እውን ሰባት ኣብ ቤተ እምነት ጠጠው ኢሎም ኣእዳዎም ኣጣሚሮም ወይ እውን ቀራንዮ ኣወንዚፎም ቅንዕ ኢሎም ፈጣሪኦም እንትልምኑ ወይ እንተመስግኑ ቅርፆም ‘ጸ’ ይመስሉ ሽማ እውን ጸ ጸሎት እያ። ‘ሐ’ን ቅርፂ መርከብ ሓመርን ሽማ እውን ሐ ሐመር እያ።  ምምስሳል ሀን ሃህ ዝበለ ነገርን ወዘተን

ተመሳስሎ ቅርፂ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕቲአን ሰሙናት ሓደ ወርሒ ዘለዋ ቅርፅታት ወርሕን   ኣብ ማህፀን ኣዴታት ዝዳሎ ሰብ ዝፍጠረሉ እንቋቑሖ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕቲኡ ሰሙናት ሓደ ወርሒ ዝህልዎ ቅርፅን ተመሳሳሊ እዩ ሽሙ እውን ወርሓዊ ፅግያ እዩ። ቁናኖ ኣዴታትን ሕንፃፃት ቃስታን ሞሮን፣  ዓምዲ ገዛ፣ ጋድም፣ ሞሮን ጉራንዳን፣ ሓሳባዊ ሕንፃፃት ቅናት ምድርን ሞሮን ቃስታን ኦ ኦ ኦ! እዘን ልዕል ኢለን ዘለዋ ሰለስተ ዓናቕፅ ተወሳኺ እየን ከምዚ ናይሎምዘበን ዘረባ።

ምኽባብ፣ ሞላልነትን ክልተ ዋልታታት ከበሮን ቅርፂ ዓለምናን ክልቲኡ ዋልታታትን፣  ሰሓብ ሰሓብ ክቢ ቅርፂ ተለሃይትን እሽክርክሪት ኤሌክትሮናት ኣተምን ዋህዮን ኣብ ዙርያ ኒዩክለስን፣ እሽክርክሪት (ዑደት) ፕላኔታት፣ ኮባኽብትን ስርዓተ ፀሓይን ዝፈጥሮ ዓንኬሉን ብዘይምኽንያት ደኾን ይኸውን ዝመሳሰል?

እሞይ ’ማ ሓደራ እዚ ሙሁራዊ ኣክሮባትን ስንጠቓ ፀጉርን ኣይኮነን። እንተኾነ እውን ኣይኮነንዶ ፀጉሪ ዝኣክል ዋሬዓስ ሓንቲ ኣተም እኩዋ ተሰንጢቓ ኣቶሚክ (ኒውክለር) ኤነርጂ ተረኺቡዋ እዩ እሞ። እዚኣ እውን ሓንቲ ፎካስ ተወሳኺት እያ። ምኽሪ ኣይትብላ ጥርዓን ኣይትብላ ሰቕ ኢላ ሳይንሳዊ ዕጥራንን ሸርሞጥሞጥን ።

ንመለስ ደኣ ንመለስ ናብ ትልሂትናን ውቃበናን። ድኻሲ ተላህዩ ይወፅእ እምበር ኮሸምሸም መን ኣልመዶ? ውቃበ እዩያ። ከም ልቓሕ ሰብ ዘይብላ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ተኹድድ ኣላ። ሓቃ። ውቃበ እዩያ። ልቓሕ ሰብ ዶ ይዓቢ ውቃበ? ስልም ደሞ ኸብሎ ዓይነየ ምስ ከበሮ እናኸደ ውነየ? ስልም የለይ ስልም የለይ፣ ስልም የለይ ንፃወት እምበይ። ሓቂ ውቃበ ምጥባር ይገድድ። ወዘተ እውን ይገድድ።

እሞ ምኽባብ ትልሂት ትግርኛ (ቀጥ ኢልካ እንተትኽየድስ ተልሃይቲ ኣበይ ኮን ምበፅሑ? ዳርጋ ማዳጋስካር ወይ ጨለቖት ምኣተው።  ካብዙይ ልጨለቖት ዓለም ተጨነቐት በለ ደራፊ። ካብዙይ እንትብል ካበይ ምኻኑ እንተዝፈልጥ ደስ ምበለኒ ግን እንኳዕ ሱቕ ኢሉ ካብዙይ በላ ደስ እያ ትብል ሱቕ ኢላ ኣብኡ እንተላ። ኣብ ዘለኻዮ ኾይንካ ካብዙይ ልጨለቖት ምባል እዩ ልሕሽ።)

ምጉራዕ ብዙሕ ግዜ ኣብ ጓይላ ዘጋጥም እንዶ (ክእለት) ኣወቓቕዓ ብዘይብሎም ወቓዕቲ ኸበሮ ወይ ድማ፣ ኣዴታት ብበዓል ገዝአን ወይ ካልእ ሰብ እንትሓርቃ፣ እንትርበሻ፣ ዝደለየኦ እንትስእና፣ እንትቃወፋ፣ እንትእነፋ ወዘተ ኣጉሪዐን ኣጉሪዐን ይወፀለን ወይ ድማ ብስሙያት ወቓዕቲ ኸበሮ ናብ ንቡር ስምዒትን ምርግጋዕን እንትምለሳ ወይ እንትምለሱ ንዕዘብ እሞ እዚኣስ ከመይ እያ ብልሓታ?

ትኽክለኛ ወቓዒ (ውቅዒት) ከበሮን ምስ ፈውሲ ምዕግርጋርን ምጉራዕን (ውሽጣዊ ሕክምናን) ዘራኸበት ገመድ ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ። ህርመት ልቢ እንትዛባዕ ሰብ ሓሚሙና ተባሂሉ እንዳ ሓኪም ይኸድ፣ ህርመት ከበሮ ዘቃወፎም ተለሃይቲ እንተነኣሰ ስምዒቶም ይርበሽ፣ ሃጥ እንተበለ ድማ ተሓዚ ወይ ቆለ እንተሃልይዎም  የጉርዑ እሞ ጥሉል ወቓዒ ኸበሮ ተመሪፁ የስተኻኽሎም። እሞ እዛ ባህላዊት ሕክምና ውቃበ እዚኣ ሳይንስ እንታይ ይብላ? ርክብ ድምፅን ጥዕናን እውን ዘጋናነየ ሰብ ይፅሓፎ።

ዝኾነስ ኮይኑ ኣጉርዑ ኣይተጉርዑ ብዘየገድሽ ኣብ ሓደ ጥሉል ጓይላ ተላሂኹም እንትትወፅኡ እንግደዓኹም ቅልል፣ ማእገርኩም ፍኹስ ዶ ይብለኩም? ከምኡ እንተደኣ ኾይኑ ርክብ ውቃበን ከበሮን (ቃሕ እንተይልዎ በዓል ሞያ እዚ ዘፈር ይመራመረሉ) በዙይ በለ በቱይ በቃ እንኳዕ ውቃበኹም ጠበርኩም።

መዓሰላማ ሹክረን ሓባይብ!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *