መንገዲ ኪነት ትግራይ ናበይ ገፁ እዩ?

(ብጋዜጠኛ ገብረእግዝኣብሄር ተኽለሚካኤል ዝቐረበ)

ሰባት ሓደ ነገር ንሰምዕ ወይ ንርኢ እሞ ካብኡ ውሳነ ዘድልዮ እንተኾይኑ ዝመስለና ንገብር፡፡ ዝሰማዕናዮ ወይ ዝረኣናዮ ኩሉ ነገር ከምዘለዎ ቅቡል ጌርና ከይንኸይድ ዝቕይድ ኣካል ኣለና፡፡ ሕልና፡፡ ዘይምስምማዕ፡፡ ስለዚ ነቲ መብዛሕትኡ ሰብ “ሓቂ እዩ” ዝብሎ ኣምር ኣነ ዘይክሰማመዓሉ እኽእል እየ ማለት እዩ፡፡ ካብኡ ናዓይ ከምዝመሰለኒ ክትርጉሞ እኽእል፡፡ ስለዚ ሰብ ነንዕኡ ተቐቢልዎ ተኣማሚኑ ዝምስርቶ ስምምዕ ደኣ እምበር ሓቅን ሓሶትን ዝበሃል ነገር የለን ማለት እዩ፡፡ ከምዝመስለኒ ስለዝኸድ እየ እምበኣር “ከምዝመስለኒ” ኢለ ክፅሕግር ባዕለይ ወሲነ ባዕለይ ዝተባዕኹ፡፡ ሰዓቡኒ፣ ዘይክትሰማምዑኒ ግን ትኽእሉ ኢኹም ጥራሕ ዘይኮነስ “ዘይክትሰማምዑኒ ኣለኩም” እውን እንበር ፡፡ ከምዝመስለኩም ዳኣ ኣይዞኹም፡፡ ዓለም ብኣንፃራዊ ተፃብኦታት እያ ሚዛና ሓልያ ጠጠው ትብል ታይ ግድኹም፡፡ ከምዝመስለኩም …

ናይ ሎሚ “ከምዝመስለኒየይ” ኣብ ኪነ-ጥበብ ትግርኛ ዘተኮረት ክትከውን እያ፡፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ምድካም ኪነ-ጥበብ ትግርኛ ኣመልኪቶም እንትብይኑ ምስ ዝተፈላለየ ምኽኒታት ከተሓሕዝዎ እዕዘብ እየ፡፡ ከምዝመስሎም፡፡ “ትግራዋይ ናይ ምንባብ ባህሊ የብሉን”፣ “ሙዚቃ ኣይፈልጥን”፣ “ንስነ-ጥበበ ፍቕርን ግዜን የብሉን”፣ “ኣብ ቶኽሲ እንበር ኣብ ያታን ስነቓልን እምብዛ ኣይኮነን ትግራዋይ”፣ “ደርፍስ ናይ ኤርትራ ተሰማዕኻ እምበር!”፣ “ፊልምስ ኣምሓሩ ስርሕዎ በሎም እምበር!”፣ ወዘተ… ወዘተ… ወዘተ… ይብሉ፡፡ ከምዝመስሎም፡፡ …መሲልዎም እንዳኣሉ ክበሃል ምስሰምዑ ከም ቦቃል ሃህ ኢሎም ኣዕዚሮማ፡፡

እንተ ኣነ ነዞም ዝተደርደሩ ምኽኒታት ፀማም እዝኒ እዩ ዘለኒ፡፡ (ከምዘመስለኒ፡፡) ኣብቲ ምድካም ስነ-ጥበብ ዝቃወም ኣይኮንኩን፡፡ እወ ናህና ድኽም ይብል (ሕጂ)፡፡ ኣነ ዘይስማዕመዓሉ እቲ ንዕኡ ስዒቡ ዝወሃብ ምኽንያት እዩ፡፡
ኣብዛ ዓለም ኣብ ትሻዓተ ወርሕናን ኣብ ጥራይ ዝባንናን እንፍጠር ደቂ ሰባት ንዝኾነ ዓይነት ተመኩሮን ትምህርትን ማዕረ ቀረቤታ ኣሎና በሃላይ እየ፡፡ ወይ ከዓ ካብቶም እናተበሃሉኒ ዝነበሩ ነዚ እኣምን፡፡ (ከምዘመስለኒ፡፡) ሕዚ ንዝህልወና ፅባቐ ኮነ ዕቤት መንነት እቲ ወሳኒ ግን እቲ ዝመፃእናሉን እቲ ደው ኢልናሉ ዘለናን መንገዲ እዩ፡፡ “ስለዘይነበረና ክህልወና ኣይኽእልን” እናበልኩ ኣይኮንኩን፡፡ ንኽህልወና ኣብ እነካይዶ ጻዕሪ ግን ሓጋዚ ምኾነና፡፡ ስለዚ ኣመፃፅኣናን ዘለና ባይታን እንታይ ይመስል ምባል ከድልየና እዩ፡፡
ኣብ ካና ወይ ከውሒ ዝተዘርአን ኣብ ባዕኸል ወይ ዋልካ ዝተዘርአን እኽሊ ማዕረ ዓይነት ምህርቲ ክህብ ተፈጥሮኣዊ እውን ሳይነሳዊ እውን ኣይኮነን፡፡ “ሑሕ” እናተባህለ ብስግኣትን ፍርሕን ዝዓበየ ቆልዓ ክንዲ እቲ ኣብ ሰናይ ናይ ምርድዳእ ባህሊ ዘለዎ ስድራ ቤት ዝባፀሐ ቆልዓ “ተራዳዳኣይ” ክኸውን ኣይኽእልን እሞ፡፡ ስለዚ ኣብ ሞንጎናን ኣብ ሞንጎ ጎረባብቲ ኣሓትናን ዘሎ ኣፈላላይ ብቕዓት ጥበብ ንምልካዕ ረቛሒታት ምቕማጥ ሚዛናውነት ክህልወና ዝሕግዝ እመስለኒ፡፡ እስኪ ከምኡ ክንገብር፡፡

#፡- #ዝፀነሐ ምእሙእ (ምቹው) ኩነታት
=========================
ሓቂ ንዘራረብ እንተተባሂሉ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ (ብፍላይ ድሕሪ ዓወት) ዝፀናሕናሉን ዘለናሉን ባይታ ንዕቤት ኪነ-ጥበብና ጥጡሕ ኣይነበረን፤ ኣይኮነን፡፡
ወድ ሰብ ምስተወለደ ቶሎ ኢሉ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ነገር ይመልኽ፡፡ ህፃውንቲ እንግሊዝ ኮነ ብራዚል እንትውለዱ እብ ከባቢኦም ፅቡቕ ናይ ሰፖርት መድረኽ ስለዝፀንሖም ኣብቲ ዓውዲ ንክፅንበሩ ዝደፋፍእዎምን ዝሕግዝዎምን ሃዋህዋት ብዙሓት እዮም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብደርባውያን ገዛእቲ ዕለታዊ ናብርኡ ምድፋእ ስኢኑ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፤ ኣብ ኣስመራ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ግን ኣብ እዋን ጣልያን ምስ በዓል ቫዮሊታትን ጊታራትን ወይ እውን ምስ ፓስቲኒታትን ባኒታትን ተላልዩ ኔሩ፡፡ ጣልያን ኣብቲ እዋን ኣብ ኤርትራ ጭላንጭል ሙዚቃን ትምህርትን ሰኲዑ ስለዝነበረ (ዋላ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ጥራሕን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ጥራሕ ዝተሓፅረን ይንበር) ከም መንገዲ ናብ ዝተመሓየሸ ጥበብ እንተተሰጋገሩ ዘገርም ኣይክኸውንን፡፡ ስለዚ ኣብቲ ካልእ መግለፂ ክብሪ ከይኣተና ዋላ ብበዓል ጣልያን እናተገዝኡ “ኣብ ኣፋፍኖት ኪነ-ጥበብ ቀዲሞምና ክስጉሙ ኣኽኢሉዎም ኔሩ እዩ” ክንብል ንኽእል ኢና፡፡

ትግራይ ኣብቲ እዋን ኣብ ሓለዋ ሃገር ተፀሚዳ ስለዝነበረት ኣሽንባይ ዶ ዘመናውነትን ዕቤትን ክትላመድ ዝነበርዋ ሓድግታትን ባህልታትን ዝቆራመዱ ባዕዳውን ደርባውን ገዛእቲ ንድሕሪት ኣንሸራቲቶማ እዮም ምባል ይከኣል፡፡ እሞ ሕዚ ዘለና ተጋሩ እንታይ እናረኣና ዓቢና? እንተኢልና ብቐጥታ “ኲናት” ወይ “ውግእ” እኳ እንተዘይበልና እዚኣቶመ ዝወለድዎም መፃብባት ግን ምስ ኪነ-ጥበብ ወለድና ከይንሳለ ወይ ጥብቕ ኢልና ከይንሕዞም ገይሩና ኔሩ እዩ ክንብል ግን ንኽእል፤ (“ከምዝመስለኒየይ” ኣብ ሓሳብኩም፡፡)
እቲ “ትግራዋይስ ኣብ ቶኽሲ እንበር ኣብ ያታን ስነቓልን እምብዛ ኣይኮነን” ዝበሃል ስያመ ስቕ ኢሉ ዝተለጠፈልና ስም ኣይኮነን፡፡ ዕድመ ልክዕና ሃገር ክንሕሉ ምስ ቱርኪ፣ ጣልያን እንግሊዝ፣ ድርቡሽ፣ ደርጊ ወዘተ ኣብ ኲናት ኢና ነቢርና፡፡ ህፃናት ኮይንና ዝንገረና ፅውፅዋይን ዛንታን ኣብ ሓቦን ህልኽን ወለድና ዝተተርኣሰ ታሪኽ ጅግንነት እዩ፡፡ ድሕሪ ብዙሕ መከራ ተረኺቡ ኣብ ዘሎ ሰላም ኮይኖም ንባዕሎም እግሪ ክተኽሉ ጥሪምሪም ዝብሉ ሙዚቀኛታት እንበር በቲ ዓውዲ መምሃራን ክኾኑ ዝኽእሉ ሰብ ሞያ ኣይብልናን፡፡ እዚ ስለዝኾነ ሕዚ ካብ ናብ ዛንታን ጥበብን ናብ ደፋርነትን ተባዕነትን ዝመዝን መግለፂ (ንግዝይኡ እዩ) እንተተወሃበና ዝገርም ኣይክኸውንን፡፡

#፡- #ፖሊሲ ወይ ጠመተ እታ ዓዲ
===================
ኣብዚ ካልእ ክረአ ዘለዎ በዓል ክልተ ነጥቢ ዛዕባ ክህልወና እዩ፡፡
እቲ ሓደ ፖሊስናን መንግስትናን ንስነ-ጥበብ ዝህቦ ጠመተ ከመይ ዝበለ እዩ? ዝብል ይኸውን፡፡ ከምቲ ዝፍለጥ ኪነ-ጥበብና ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ሰማይ ዓሪጉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ካብ ናይ ኤርትራ ስነ-ጥበብ ክበልፅ ተዘይኮይኑ ብኹለ መዳይ ዘይነኣኣስ ምዕባለ ኔርዎ፡፡ እቲ ምንታይ እቲ ጥበብ ሽዑ ዝወሃቦ ዝነበረ ቦታ ልዑል ስለዝነበረ፡፡ ካልእስ ይትረፍ ባዶ ሓደ (01) ተባሂላ ኣብ ዝተሰምየት ኪነት ገድሊ ዝነበሩ ኣባላት ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ናብ ኲናት ከይኣትዉ ምክልኻል ዝግበረሎም ምንባሩ፤ እቲ ጥበብን ጥበበኛታትን ነቲ ቃልሲ ክንደየናይ ኣድለይቲ ምንባሮምን ከም ብሌን ዓይኒ ይሕለዉን ምንባሮም ዘርኢ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን ሓንቲ ደርፊ ንባዕላ ኣብቲ ወፍሪ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ስለዝነበራ እቲ መንግስቲ ሓራ መሬት ብተጠንቀቕ ይሕዛን ይከናኸናን፡፡ ውዱብ ቀልቢ ዝሃበቶ እዚ ሞያ እቲ ህዝቢ እውን ስረሐይ ኢሉ ይስዕቦ፣ ይከታተሎ፣ የኽብሮ ኔሩ፡፡ እቲ ሞያ ድማ ሳላ ዕቱብ ጠመተ እናሓደረ ይኹላዕ ኔሩ፡፡ (ሎሚ መንግስቲ ካብዚ ጉዳይ ኢዱ ካብ ዘልዕል ፀኒሑ ኣሎ፤ ኣርባዕተ ነጥቢ፡፡)

መንግስቲ ትኹረት ዘይሃቦን ምንፃፍ ዘይገበረሉን ዓውዲ ከመይ ከምዝዓኑ ኣብዚ ሓፂር ግዜ ዝረአ ዘሎ ትንሰአ ስነ ጥበብ ትግራይን ምንቁልቋል ጥበብ ኤርትራን ተዓዘቡ፡፡ ኣብ እዋን ገድሊ ህወሓትን ተሓኤን ዝድረፉን ዝህቆቑን ዘነበሩ ጥበባት ትግርኛ ኣይሰናነፉን፡፡ ድሕሪ ዓወት ዝተወሰነ ምስተሳለና ግን ኣካይደኦም ነንበይኑ ኮይኑ፡፡ መንግስትና ቀልቡ ናብ ካልእ ኣብ ልዕሊ ምግባሩ ፌደራላዊ ኩነታት ሃገርና ንኣጠቓቕማ፣ ትኹረት፣ ቀዳምነት ቋንቋናን መወከስናን ሚዛን ኣስኢንዎ፡፡ (ብዛዕባ ፌደራል ኩነታት ኣብ ታሕቲ ክምለሶ አየ) እንተ “ኤርትራዊ ትግርኛ” ግን ብዓብላልነት ቀፂሉ፡፡ እቶም ኣብ በረኻ ነቲ ጥበብ ዘዐንበቡ ስነ ጥበባውያን ነቲ ሓዱሽ ወለዶ ክሳብ ዘሰጋግርዎ ብስሩዕ መንግስቲ ብምሉእ ሓላፍነት ቀፂልሉ፡፡

ወረ ብዙሕ ዋላ ኣይርበሐዮም እንበር ናይ ኤርትራ ነፃነት ምኽንያት ገይሩ ዓመት ምሉእ ብመንግስቲ ዝስረሐሉ ሃልኪ ፕሮፖጋንዳ፤ ከም በዓል ኣልኣሚንን ኣብራርን ለዓት ጥበቦም ናብ በዓል የማነ ባርያን በረከት መንግስትኣብን ኣስጊረሞ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም በዓል ሄለን በርሀን ወዲ ትኹልን (ክንደይ እሞ ክንብሎም) ዝኣመሳሰሉ በረኻውያን ነቲ ናይ ከተማ ህይወት እውን ብዝወቀበ ጥበብ ከለምልምዎ ክኢሎም፡፡ እዚ ከዓ እቲ ፍኖተ ጥበብ ከይበታተኽ ኣኽኢሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኸም በዓል ኣብረሃም ዝኣመሳሰሉ ኣፍሪቃውያን ከዋኽብቲ ከፍሪ ክኢሉ፡፡ ምኽንያቱ ሓላፍነት ወሲዱ ዝሰርሓሉ ባዕሉ እቲ መንግስቲ እዩ፡፡ (ትፈልጡ ዲኹም ካብ ዓመታዊ በጀት ህዝቢ ኤርትራ ዳርጋ እቲ ልዕሊ ፍርቂ ንኣወሃሃዲት በዓላት ሽማግለ ተሰሊዑ ኣብ ስራሕቲ ስነ ጥበብ ኣብ ባሕቲ መስከረም ፈሰስ ከምዝግበር፡፡ ንባሕቲ መስከረም መዓልቲ ነፃነት ምድላዋቶም ዘቕርቡ ስነ ጥበባውያን ከ ዓመት ምሉእ ኣብ ትሕቲ ፍቓድን ጎስጓስን መንግስቲ ተዓፅዮም ከምዝሰርሑ ኸ ትፈልጡ ዶ፡፡) ኢሳያስ ደበሳይ ተዓዋቲ ራይሞክ ዝኾነሉ ምኽንያት ባዕሉ ካብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ዝወሰድክዎ እዩ፡፡

ኢሳያስ ደበሳይ ኣብቲ ዓመት ምስ ጉጅለ ባህሊ ዞባ ዓነሰባ ንውድድር ኣስመራ ከይዱ፡፡ እታ ጉጅለኦም እኳ እንተወደቐት “ካባኻትኩም ክእለት ዘለዎም ሓደ ድምፃውን ሓደ ተዋሳእን ግን ረኺብና ኣሎና” ኢሎም ንበዓል ኢሳያስ ኣትሪፈምዎም፡፡ ንቐፃሊ ዓመት ንባሕቲ መስከረም ዝቐርብ ግጥምን ዜማን ሂበምዎ ድማ ትምህርቱ ኣቋሪፁ ሰለስተ ወረሒ ተዓፅዩ፡፡ እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሜዳ ዝግበር ዝነበረ ምዃኑ እዩ፡፡ ኣበበ ኣርኣያ ሓደ ግዜ ዝበለና ክውስኽ፡፡ “ሓሳብ ይመፅእ፤ ግጥሚ ፀሓፍቲ ይፅሕፉ እሞ እታ ዝሐሸት ተወሲዳ ንኹልና ይወሃበና፡፡ ደሓር እቲ ኣፀቢቑ ዝመለኻን ዝተወሃሃደቶን ይደርፋ፡፡ ዝበለና ኣብ ባህሊ ማእኸል ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝነበርኩም ተመሃሮ ኣይትርስዕዎን፡፡ ከምኡ ስለ ዝነበረ እውን እዩ ደርፍታት ገድልና መብዛሕትኦም ደራሲ ግጥሞምን ዜመኦመን ቅሉዕን ፍሉጥን ዘይኮነ፡፡ ጉጅለኣዊ ስራሕ እዩ ነይሩ፡፡ ካብቶም መግለፂ ጥንካረ ጥበብ ከዓ እቲ ቀንድን ሓደን ጉጅለኣዊ ፃዕሪ ዝሓትት ስለዝኾነ እዩ፡፡

እዚ እንበኣር ኣባና ሎሚ የለን፡፡ ኣብ ትግራይ እቲ ዘሕዝን ዝኾነ ዓይነት ውዳበ የለን፡፡ ዓመታዊ ወድድርን ፌስቲቫልን እውን የለን፡፡ ከምቲ ኣብ ኩዕሶ አግሪ ኣብ Grass Root ምስራሕ ዘድሊ ጥበበኛታት እውን ካብ ህፃንነቶም ክኹስኮሱ ስለዘለዎም መድረኻት ወሰንቲ እዮም፡፡ እዚ ኣብ ምግባር ሓላፍነት መንግስቲ እዩ፡፡ ውዳበታት ክህልወኦ ይግባእ፡፡ እተን ዘስሕቓኒ ማሕበር ባህሊ ትግራይን ማሕበር ከየንትን እንታይ ከምዝገብራ ኣይርደአንን፡፡ ንባዕለን ባህሊ የብለንን እንተተባህለ የኽይድ እዩ፡፡ ሎሚ ሕድ ሕድ ኣርቲስት ኣብ ትግራይ ብፅፍሩን ብፃዕሩን እዩ ዝከራኸር፡፡ “ወይ ነፃ ዕዳጋ!!!!!” ጥበብስ ያኢ ምሻጥ ብሽኩቲ ኮይናስ “ኣብ ነፃ ዕዳጋ ጉየዪ¡¡¡¡” ተባሂላ ተሰዲዳ!!! ብዝኾነ ከምዚ ኢሎም ዝወፁ ንፉዓት ተጋሩ ከየንቲ ስለዘለዉ እየ እቲ ኣብ መእተዊ ዝተቐመጠ “ትግራዋይ ናይ ምንባብ ባህሊ የብሉን”፣ “ሙዚቃ ኣይፈልጥን”፣ “ንስነ-ጥበበ ፍቕርን ግዜን የብሉን”፣ “ኣብ ቶኽሲ እንበር ኣብ ያታን ስነቓልን እምብዛ ኣይኮነን ትግራዋይ”፣ “ደርፍስ ናይ ኤርትራ ተሰማዕኻ እምበር!”፣ “ፊልምስ ኣምሓሩ ስርሕዎ በሎም እምበር!”፣ ዝብል ኣበሃህላ ዝኹርኮሐኒ ፤ ዘይቅበሎ እውን፡፡

እቲ ካልእ ንጥበብ ትግራይ ቀርቂሩ ዘሓዞ ኣጸጋሚ ኩነታት፣ ፌደራላዊ “ስይስተም” ምሕደራ ሃገርና ዝወለዶ ዘይትዕድልቲ ጌረ ከቐምጥ እደፍር እየ፡፡ ፌደራላዊ ስርዓትና ንሃላዋትናን ንቁጠባዊ ዕብየትናን መማረጺ ዘይርከቦ ፖሊሲ እኳ እንተኾነ፤ ኣብ ዕብየትን ዕቀባን ካልኦት ቋንቃታትን ባህልታትን ግና ክንዲ ኣምሓርኛ ክረብሖም ኣይኽእልን፡፡ ምኽንያቱ ከመ “ኦፊሻል” መረዳድኢ ጌርና እንጥቀመሉ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዘውርዶ ዘሎ ጽልዋ ኣብ ከባቢ መቐለና ዝዝረብ ቋንቋ ትግርኛ መርኣይ እኹል መርተዖ እዩ፡፡ ካብዚ ወፃእ እቲ ብጣዕሚ ዓብዩ ዘሎ ኪነ ጥበብ ኣምሓርኛ ንመናእሰያትና ብትግርኛ ጥበብ ምስራሕ ዘይከኣል ክሳብ ዝመስሎም፤ እቲ ሃገራዊ ቋንቋ ኣብ ክንዲ ሓጋዚ ዝኸውን ዓብላላይ ጥራሕ ኮይኑ ምቕፃሉ ካልእ ሃሰያ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ፡፡ ካልእስ ይትረፍ “ኣነ ብኣምሓርኛ እየ ተዋሳኣይ ክኸውን ዝደሊ” ዝብሉ መንነታዊ ውንዘዐ (Identity confusion )ዘለዎም ተጋሩ ክፍጠሩ እውን ገይሩ አዩ፡፡

እንተ ኣምሓርኛ ካብቲ ሃገር በቀል ተዛራቢኡ ካልኦት ክልላት እውን ስለዘማዕብለኦ (ልክዕ ከምቲ ዓለም ለኻዊ ክብሪ ዝተጎናጸፈ ቋንቋ ኢንግሊሽ) ሃገራዊ ምዕባለ ክጎናጸፈ በቒዑ አዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ትግርኛ እውን ሓንፋጺ ዘይብሉ ቋንቋ ስራሕን ቋንቋ መንግስትን ስለዝኾነ ዓርሓ ትሸዓቲኦም ቋንቋታትን ብሔራትን ኤርትራ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ፡፡ ጥበብ ከዓ ካብ ቋንቋ እዩ ዝብገስ፡፡ ኩሎም ጥበባት ብቛንቋ ዝግለጹ ክሳብ ዝኾኑ፤ ንኣጠቓቕማ ቋንቋ ዘይግደስ ሕ/ሰብ ንጥበብ ዘለዎ ትኩርነት እምብዛ ኣይኸውንን አሞ፡፡

ስለዚ “ደርፍስ ናይ ኤርትራ ተሰማዕኻ እምበር!”፣ “ፊልምስ ኣምሓሩ ስርሕዎ በሎም እምበር!”፣ ዝበሃል ዘሎ ንሕና ትግራዎት ከምኡ ምግባር ስለዘይንኽእል ዘይኮነስ፤ እቲ ባይታ ነቶም ኤርትራ ዶ ኣምሓሩ ዶ ዝበሃሉ ዘለው ኣሓት ምእሙእ ኮይኑ ስለዝፀነሐ እዩ እየ ዝብል፡፡ ስለዚ እቶም ኣብ ላዕሊ ዘልዐልክዎም ኩነታት እንተተመዓራርዮም ንሕና እውን ናብቲ ብርኪ ንሱ ዘይንበፅሐሉ ምኽንያት ኣይክህሉን፡፡ ድሮ እኳ ኣብ ሙዚቃ ትግርኛ ከበሮኦም ጥራሕ ንኣእዛን እዞም ኣምሓሩ ዶ ኤርትራዎት ትብልዎም ዘይኮነስ ንኣህዛብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ይስሕቦም ኣሎ፡፡ ኣብ ምውህሃድ ሙዚቃ ልዕሊ ዞም ኣካላት ንውንጨፍ ኣሎና፡፡ ዋላ ኣወሳስዳ ስእልን ኣተሓሕዛ ባህልን ስዕስዒትን እውን ከምኡ፡፡ እዚኣ ኣብተን ንገጥመን ዘለና መልእኽቲ ዘይብለን ግጥምታት ምምሕያሽ እንተኣምፂእና ታሪኽ ብታሪኽ ክሰዓር ግድን እዩ፡፡

(እቶም ዝተረፉ “ከምዝመስለኒታተይ. . .” ካልእ ኢዜ ክምለሶም እየ፡፡ ንስኻትኩም እትሮቕሑዎም ካልኦት ዝመስልኹም “ዝመስለኒታት” (ምክንያታት ምድካም ጥበብ ትግርኛን ትግራይን) እንተለኩም እውን ክትውስኹ በሪ ርሑው እዩ፡፡)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *