ዛንታ ዓዲ’ቦ

(ብጋዜጠኛ በርሀ አረጋይ)

ካብ ኣንበሰተ ገለባ ተፈናቂሎም ብመጠራ ኣቢሎም ኣስመራ ዝኣተዉ ግን ድማ ምስ ህዝቢ ጉሎምኻዳ፣ ምድርባን ዓጋመን 80 ዓመት ምሉእ ማሕበራዊ ህይወት ዝነበሮም ማሰኛ ጠዓመ ደስታ፣ እርጋን እናርከበት እንትትከይድ ናፍቆት ዓዲን ህዝብን እንትብርትዖም ከምዚ ኢሎም ማሰ ኢሎም ነይሮም፡፡
መጠራ ዘለኹም ዓድኹም ንዑናይ
ማይ ሓባር ዘለኹም ዓድኹም ንዑናይ
ረኸይቶ ዘለኹም ዓድኹም ንዑናይ
ዓድና ትብል ኣላ መንዩ ዋናይ
ወያ ዓዲ ስገም ዓዲ ስርናይ
ዓዲ ፃዕዳ ጣፍ ዓዲ ስርናይ
ያሒት እትቶክብ ንለማናይ
ዓዲ ሰጋር ኪደናይ ኪደናይ
ዓዲ ማሕረስ ዓዲ ተፊን ወይናይ
ምስ ኣዳራሽ የለን እዩ ምግናይ
ምስ ሕዛእቲ የለን እዩ ምግናይ
===================
ዓደይ ከመይ ኣለኺ ዓደይ ናይ ቀደመይ
ከይመፅኣኪ እግረይ ተቆርሚመ
ከይሰምዓኪ እዝነይ ፀሚመ
ከመይ ኣለኽን ታቦተይ ማርያመይ
ከመይ ኣለኽን ኣውሊዐይ ሊሓመይ
ኣብ ዓይነይ ቦቒልኽን በዛ ሕልመይ…
********- ****— **——-
ዓደይ ከመይ ውዒልኪ ሰፋሕ ሜዳ
ኩሉ እንክውሕዶ ዘይውሕዳ
ሃቦ ሰዶ ዝነበረ ልማዳ
ፈታዊት ስሩኽሶ ምስ ምኻዳ
ፈታዊት ዓጋመ ሰፊሕ ሜዳ
ኣይከምሐዝን ፍቅሪ ምስ ወሓዳ
ይናፍቅ እሞ ከመይ ኢለ ክኸዳ
መርቑኒ ፀልዩለይ ግዳ
ስጋን ነብስን ምስተፈራረዳ
ማርያም ዓደይ ክዓርፍ ኣብ ኢዳ
ከም ወለደይ ክፅቀጥ ሓመዳ

ጋዜጠኛ በርሀ ንIsaac Gebre ኣመስጊኑ። “ካብ ዘካፈለኒ ቪድዮ፡ዝተረኸበ” ኢሉ ፅሒፍዎ።

ግዕዝ ሚድያ
ንቐዳምነት ንሰርሕ!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *