ደሃይ ናፍቖት ቀያሕቲ እምባታት

(ብጋዜጠኛ በርሀ ኣረጋይ ዝቐረበ)

ማዕረ ቀያሕትን ነዋሕትን እምባታት ዝኾነ ሰማይ ጠቀስ ፅንዓትካ ካብ ኣራዕ ክሳብ እንዳልጌዳ፣ ካብ እንዳሞሳ ክሳዕ ሓረዘ ሰባዕታ፣ካብ ዓገረለኹማ ክሳብ ዓሊተና ካብ ደውሃን ክሳብ ወርዓትለ ዘለኻ ኢሮበታይ ሰላምካ ከመይ ኣሎ?
ብሰናይ ክራማት ቀምበይበይ ዝብሉ ሩባታት ዒንዴሊ፣ ፀበል ምሕዝነት ሓመድ ሰበያን ስመዣናን ዝውሕዘሉ ሩባ ዓሳቦል፣ ኣሰፈን ፍረዳሹምን ኣንቆልቝሉ በረኻታት ሳዕሲዕ ተጎዝጊዙ ዝውሕዝ ሩባ በርበር ኣብ ቀላቕል ኮይንካ እንትትዕዘቦም ዝፈጥሩልካ ክረምታዊ ፍሰሃን ኣብ መስቀል ብራቕ ዘለዎም ዋሕዝን ንተዓዛቢ ዘይርሳዕ ተዘክሮ ኣለዎም፡፡

ብላዛ ኢሮበታይ ኩመኒት፣ ኢማልማሊ፣ ገብራይ፣ ስብሓት፣ ፍሱሕ፣ ሱባ፣ ዝብሉ ኣስማትካ እንትሰምዕ ባሕሪ ቅንዕናኻ፣ ደረት ልግስኻ፣ ፈቃር ኣቕርቦትካ ኣብ ዓይነይ ቅጅል ይብለኒ፡፡ እምባ ዓሲንባን ዓሰገርዋን ሰንጢቓ እንዳሞሳን ሓረዘሰባዕታን ክምስ እትብለኒ ፀሓይ መስከረም ሎሚ ኮይነ ብዓይኒ ትማሊ እንትሪኣ ዕድሎት ጸጋታት ዝተፈጠርካሉ ከባቢ የድንቖ፡፡


ዛንታ ባሕሪ ተጋድሎኻ እንትሓትት ወዲ ባሌማ፣ ስዩም መስፍን፣ ኣባይደራ፣ ቴድሮስ ሓጎስ ዘዕቖበት፣ ድምፀ መረዋሕ ከያኒ እያሱ በርሀ ክራሩ ተሓንጊጡ ዘስቆንቁነላ ዳዕሮ ወርዓትለ፣ ባይቶ ፍትሕን ዘተን ኢሮበታይ ሜዳ ዓሊተና፣ ማእኸል መርሸንቲ ንፁሃት በረኻ ሰንገደ፣ ቀጣን ነዋሕ ክሳዳ ምስክር ስርሒት ኢሮበታይ ቀጠን ጎቦ ማዕቢኖ፣ ማሕዘል ዛንታ ወየንቲ ገራሁ ሓረዘሰባዕታ፣ ማእኸል ሕንቆ ክልተ ርእዮተ ዓለማት በረኻ እንዳሞሳ ዘይልኣም ዛንታኦም ዝስነደሉ መዓልቲ ይናፍቖ፡፡


ኣብ እግሪ እቶም ነዋሕቲ እምባታት ጣብያ ወርዓትለን ዓሊተናን ሰፊሕ ትሕዝቶኦም ኣንጋሕጢጦም ነቲ ዓሚዩቕ ክፋል መሬት “ባዕልና ኣለናሉ” ዝብሉ ዝመስሉ ኩጀታት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብኣግራብ ዝተሸፈኑ ልግስታት ተፈጥሮ ሓምለዋይነቶም ቀልቢ ይገዝእ።


እንዳማርያም ሰበያ ዝጥምቱ ነዋሕቲ ኮርባታት ብብርዒ እያሱ በርሀ እንትግለፁ ከም ዓለሞም ኣእማንን ኣኻውሕን ዝመልኡ በረኽቲ ቦታታት እንተይኮኑ ልዕሊ ተፈጥሮኣዊ ፅባቐኦም ዝወነንዎ ተጋድሎ ምህላዉ ይርዳእ፤ ኣብ ኩናት ኢትዮ ኤርትራ ደጀን ኮይኑ ዓዲ ዘፅንሐ ኢሮበታይ ምልሻ እንትዝክር ካብ በረኽቲ ቦታታት ዘንከራረወ እምኒ እውን ናብ ባዕዲ ከይኣቱ ሓልዩ መንነቱ ዘኽብር ህዝቢ እዩ ብዝብል ብሂል ይኣምን፡፡

ማዕረ ልደትካ እትሪኦ በዓል መስቀል ናፊቕካ ባሕርን ምድርን ኣቋሪፅካ ደሃይ ማይቤትካ እትሓትት፣ዓደይን ዓውደይን እትብል ፈቃር ውላድ ኢሮበታይ ባህላዊ ምግብታትካ ግዕዝም፣ ሶላ፣ ገዓት ጠስምን ቀሪብካ ፍቕርካ እንትተጠዓዕም መሬት ፀላም እንትጉልበብ ጎዶቦ ዝፅውዕ ሂርታ ከበሮኻ ኣዐሚርካ ዓለምካ እንትትስተማቕር ፍሉይነት ባህልኻ ሽዑ ዝተዓዘበ ይምስክሮ፡፡

ነዙይን ካልእን ባህላውን ማሕበራዊን ፀጋታት ዝተዓደልካ ኢሮበታይ ነታ ብዒፍ መስቀል እትምስላ እንኮ ወርቃዊት በዓል መስቀልካ እንኳዕ ኣብፀሐካ፡፡ ኣይኵናት ኣይሰላም ሃዋህው ንማሕበረ ኢኮኖምያዊ ረብሓኻ ዘለዎ ማህሰይቲ ተቐንጢጡ ማዕረ ፃዕርኻ እትብልፅገሉ ዘመን ክመፅእ ትምኒተይን ፃዊዕተይን ኮይኑ ይመዝገብ፡፡

 

( ተዘክሮ ኣብ በረኻታት ኢሮብ ንዝወፈርኩም ኣባላት ምግባረ ሰናይ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *