ገሊ፥ ቅድሚ ዓዲ -ምውዓላ….

ቅድሚ ውሱን ዓመታት ተጋሩ ተሓለቕቲ ልምዓት ትግራይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብፍላይ ድማ ኣብ ፌስቡክ ብርክት ዝበሉ ትርጉም ዘለዎም ፅሑፋት ይፅሓፉ ነይሮም። ካብቶም ኣብ ስሩዕ ስርሖም እውን ዓብዪ ተቐባልነት ዝነበሮም ፀሓፍቲ ሓደ ጋዜጠኛ ሪፖርተር ነበር የማነ ናግሽ ‘ገሊ ቅድሚ ዓዲ ምውዓላ’ ዝብል ርእሲ ዝሃቦ ፅሑፉ ይዝከር። እቲ ፅሑፍ ሕዚ ሕዚ ገሊ ርእሰይ የቕንዕ ኣለኹ ኢላ ኣብ ሓያል ኮንፈረንስ ኣብ ዘላትሉ እዋን ኣንበብቲ ምስቲ ህልዊ መድረኽ እናዛመድኩም ክተንብብዎ ኣቕሪብናልኩም።
(እዚ ፅሑፍ እዚ ሐዚ ምስዘለዎ ናይ ስራሕ ኩነታት ፈፂሙ ኣይራኸብን)
የማነ ይቕፅል…..

(ኣታ ህልምዶ ኢለ ጸላኢና ህልም ይበል!ሓሞኻቱም ኣይትቀየሙናቲ ‘ዋ ሃመቓነኻቱምከ ። ዓሚ’ሞ ቅድሚ ዓሚ ልጸሓፍኩዎ ተመሊሰ ላንበብኩስ ለለኹ ላመሰለኒ ፥ ኣባይዶ ተጀሚሩ – ካብ ገሊ መዓረይ ልተምሃርኩዋ’ያ ፥ኣብ ታሪኽ ላተታኸስካ ምሕዳር ። ሎሚስ ትኻስለ ልኸልእ መፂኡ ይመስልዋ ገና የበርሀልናይ። )

እወ፥ ዓሚይ ቅድሚ ዓሚይ ኢልና ነይርና። ሕማም ዳሓር ኣሎ ኢልና። ጥንቆላ ኣይነበረን።

“ሓይሊ ሓይል’ኣቦኦም ተሳጚዶም ተኸኣኢሎም ምውጸኦም ፅቡቕ ‘ዩ” ልበልኩሉ ምኽንያት ሎሚ ምልክዕ እናሓዘ ልመፀ ይመስል። ኣሽዑለ ሎሚለ ግልፅ ለይኮነሉ እንተሃልዩ፥ ብዘበን ውቤ’ያ ልፀመመስ…. ‘ዩ። “ከኣሊዮ” በለ ደራፊ፥ ካብዲ እኖ ብዙሕ ደኾነይ ልሽከም ፣ ከኣሉዎታ።

ዝፈራሕናዮ ኣይተረፈን። ብፊልምዶ ብደርፊዶ፥ ብድራማ ፤ ብፈኸራን ብዝረኣን ዘይረአን፥ ብጋህዲን ብስውርን “ትግሬ ገዳይ!” ይብሎ። በቲ ናትና ትብሉዎ ብ’ኢቢሲ’ ከይትረፈ ብሰማይን ብመሬትን ተኹሲ ጀሚሩ ኣሎ። መቸም እኒ ስኹቶ ‘ቶግ’ እንተዘይኢሉ ተኹሲ ኣይረአየኩም ኣይስመዐኩም። እረ ገሊአኹምስ ከምኣመልኩም ካበሮ ክትወቕዑ ትኾኑ።

እምበኣር ፀሚድልኩም ዘሎ ፀላኢስ ተኹሱ እዚኣ ‘እያ። ቶግ የለ፣ ደርጏዕ የለ። ሚኒሊክ ንመቐለ ተዋጊኡ ከምዝኣወ! ሰብ ዝኽእሎ እዩ ዝገብር። ንስኹም ኣብ ዝመረፅኩሉ ዓውደ-ኺናት ኣይውዕልን።
——
ኣብ ፅባሕ ጉባኤ መበል 12፤ ውድብ ንዘምናት ዝዓስዓሰ ፖልቲካኣ ማይ ክኣትዮ ጀሚሩ ነይሩ። ኣድናቖትናን ስግኣትናን ገሊፅና ንይርና። ፀጋኒ ‘ውን ኢልኩምና ፥ ዳሕና ይኹን።
ብፍላይ “ውድብ ዓርሰ-ዕልዋ ክትገብር ኣይንፅበን” ኣብ እትብል ፅሑፈይ ክልተ ሕማም ደሓራት ከም ስግኣት ሪአ ነይረ።
ስግኣት ቁፅሪ ሓደ ፥ ገሊ ነቓዓ ዝቋመት ሓደገኛ መሓዛኣ ከምዘሎ። ሕቱኡ ሕቶ ዲሞክራሲ ኣይኮነን። ሕቶ ኮረቻ ዩ። ሕቶ ትምክሕቲ እዩ።

ስግኣት ቁፅሪ ክልተ፥ ላዕላይ ዓንኬሉ ዝነትዐ ታሕተዋይ ፅግዕኛ ካድረ “ይወቃዕ’ዶ የምልጥ ይኾን?”ዝብል።

ሕዱር ሕማም ፪
——
ኣቱም ጉዳማት፤ ካሕዳማትን ፅግዕተኛታትን፥ ኣሕዋተይ ቀንዲ ወግዐይ ምሳኹም ‘ዩ። ከም ፍልሖ ውሽጢ ውሽጣ በሊዕኹም ፣ ገሊ ጥራሓ ለቕረኹሙዋ፥
ኣብ ቆጥቋጥ ራእይ’ዶ ግዛዕዶ ተሓቢእኹም ሓሳብ ኣይተፍልቑ፥ ሓሳብ ለፍልቕ ኣይተቕምጡ፥

ታሪኽ ተጋደልቲ እንትምዝሖቕን እንትምንዛዕን ሪእኹም ካምለይረእኹም ኣፅቂጥኩም ትሓልፉ፥ በላዕቲ ሕድሪ፤

ሎሚ ብሰንክኹምን ብሰንኪ ታሪኽን ፀላእትና ፈሊሖም ‘ዮም፥ ቀንዲ ፀላእትና ግን ንስኹም ባዕልኹም ኢኹም።

“ከመይ”ን ን”ምንታይን” ዝፈልጡ ለባማት ተጋሩ ካብ ገፅ ውድብ ክጠፍኡ ገይርኩም “ፅቡቕ ኣለና” እናበልኩም፥ ካበሮ ሓምሓም ትወቕዑ ሓጊኹም ፥
ንርእስኹም ስቡሕ ክትግህፁ ገባር ሰንሰን ኣቢልኩም፥ ህዝብና ኣደዳ ልምና ልገበርኩሞ፥
እሞኻዓ ዘይበልዐ በሊዑ እናበልኩም ንገዳማውያን ፀላእትና ጎሓት ጎሓት ናይ ሕሾት ዳታ ትቕልቡ! ኣይንሳደድን።
እዚ ንኹሉ ኣባል ውድብ ኣይምልከትን። ንበሃማትን ጉሒላታትን ጥራሕ። የግዳስ ኣብ ውሽጢ ኾይንኩም ንሓቂ ንትቃለሱ ቅኑዓት ኣባላት ክብ ዝበለ ኽብሪ ኣለና። ብቁፅሪ ኾነ ብዓቕሚ መንሚንኩ ደኣ ትመስሉ ‘ምበር።

ሕዱር ሕሙም ፩
—-

ምስ ነባራት ፀላኣቲና ዕርዲ ሰሪሑ ንሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኮረቻ ዝርአዮ ዘሎ ግዳማዊ ፀረ-ህዝብ ክውቃዕ ኣለዎ። 4 ነጥቢ።

ኣብ ህዝብናን መሬትናን ዘንፀላለየ ሓደጋ ንምምካት ኣባል ገሊ ምኻን ኣይሓትን።
ገሊ ግን ሃለዋታ ክተርኢ ኣለዎ። ወይ ብሰላማዊ መንግዲ ኢዳ ትሃብ። ከምኡ እንተኾይኑ ቁርፅና ተፍልጠና። ሕሩራት ካሊእ መንግዲ ክንእልሽ።

እንተዝይኮይኑ ሓንከልከል ኣይትበል። ግብረ እከይ ኣብ ዝዓረድዎ ውግእ ፥ኣብ ናቶም ሜዳ ምቅላስ ኣየድልን። ናይ ባዕላን ኣፍቲ ተሕምሞን ውግእ ትኽፈት።
ከምቲ ኣብ ውሽጣ በቑሉ ዝነበረ ዓንኬል ለያቡ፥ ፈልያ ምውቃዕ ዝኸኣለት፥ ሎሚ’ውን ዓንኬልን ዓቕምን ግብረ-እከይ ትፈትሸ። እዚ ልናጋ ለይበሃል- ሕዱር ሕማም ‘ዩ። ሓደ ግዜ ርእሱ እንተቕኒዑ፣ ኣፉ ገፊሕ ‘ዩ መላሲ የብሉን።

ኣብ ውሸጢ ዘሎ ፈረኽረኽ (ብሓቂ እንተሃልዩ) ንፅባሕ ይሕደር። ዝተለምደ ሕማም ጸለውታ እንተደጊሱዋ፣ ልነበረ እዩ።

እሞኸ:-
ኣብ ላዕላይ ከምዝጠቐስኩዎ ክልቲኦም ስግኣታት፣ ኣብ ጏጏ ውድብን ኣብ ግንባር ህዝቢ ትግራይን ተገቲሮም ኣለው።

ኣብ ልዕሌና “ዘራፍ” ዝብል ዘሎ ሓይሊ ቀንዲ መልዓሊኡ ፅንዓት ዘድልዮ ኳ እንተኾነ፣ ብናተይ ግምት ድሕሪ ሕልፈት ቀ/ሚኒስቴር መለስ ዜናዊ ኣብ ውሽጢ ገሊ ዘሎ ኹነታት ዝገምገመ ይመስለኒ። እዚ ክፍተት ሓይሊ ንምጥቃም ካብ ምህቃን ወፃኢ ካልእ ዝፈጠሮ ዝተፈለየ ዓቅሚ ዘሎ ኣይመስለንን።
እዚ ካብ በልና:-ክልተ ስጉምቲታት ጎና ጎኒ ክውሰዱ ኣለዎም።
ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ግዳማዊ ሓይሊ ክውቃዕ ኣለዎ ንበል፣ እቲ ዝስዕብ
ሕቶ “እንታይ”ን “ንመን ሒዝካን” ዝብል ‘ዩ።

መንገዲ ሰላሕታ፣ ኣይዕርድናን። መንገዲ ተጋሩ ሓዝ-ሒዘ እዩ። መንገዲ ተጋሩ ተኹሲ እዩ። እንተኾነ በትሪ ምልዓል ጥራሕ እኹል ኣይኮነን። ዝወቕዐ ኩሉ ኣየድምን።
ነዚ ኩሉ ምግባር ገሊ ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ ከድልያ እዩ። ሓድሽ ዘይመኸነ ሓይሊ። ሃፍትን ከፍትን ዝእክብ ዘይኮነስ፣ ሰብን ሓሳብን ዝእክብ፥ ህዝቢ ህዝቢ ዝጨኒ ወዲ ህዝቢ። ኣነፋፍራ ቆቓሕ ልፈልጥ።

ኣብ 1977 ዓ.ም ዘጋጠመ ሕማም ደውታ ዝተኸስተ ይመስል። ካብኡ ዓብይ ትምህርቲ ክውሰድ ይግባእ። ክውሰድ ዘይግበኦ ትምህርቲ እንተሎ’ውን ይነፀር።

ኣሽዑ ምእንተ ህዝቢ ሂወቱ ሙሉእ መስዋእቲ ንምኻን ዝተዳለወ (selfless) ተጋዳላይ ነይሩ። እሱ ‘ኳስ እኹል ኣይነበረን። እቲ ሓደጋ ገምጊሙ ዝትንትን ንቅድሚት ዝስጉም ሓድሽ ሓይሊ የድሊ ነይሩ።
በቲ ዝተገብረ ዘይሕለል ፃዕርን ምርድዳእን ድማ ሓድሽ ወታደራዊን ፖለቲካውን ስትራተጂ ተቐሪፁ። ሓደ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ገሊ ከምዝነገረኒ፣ ኣብ ክልተ ዓመት ውሽጢ ብተግባር ልውጢ ተረኺቡ። ሓንቲ ጋንታ ፍሒም ምባል ተስኣኑዎ ዝነበረ ተጋዳላይ፣ ክ/ስራዊታት ደርጊ ምድርዓም ጀሚሩ። ፅቡቅ፣ ሎሚኸ?

ሎሚ’ውን ገሊ ኣብ ደውታ ኣላ፣ ኣብ ኣፍደገ ሓደጋ’ውን ክትኾን ትኽእል። ንምንታይ ደውታ ገጢሙዎ ክልእ ግዜ ንምለሶ። እንታይ ንግበር ኢልና ንሕተት።
ሎሚ ገሊ ደውታ ጥራሕ ኣይኮነን ገጢሙዋ ዘሎ። ንመስዋእቲ ዝተዳለወ ሓይሊ የብላን፣ ኩላ ነንፃሕላ እያ። ዝኣረገ ኣተሓሳስባ ብሓድሽ መነፅር ሪኡ ብሓድሽ መንፈስ ክትክእ ዝኽእል፣ ሞራልን ሓቦን ዘለዎ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ጥቓኣ ዘሎ ኣይመስልን። ክህሉ’ውን ኣይተገብረን።
ደድሕሪ እቲ ዝኣረገ ኣተሓሳስባ ሕልግ እናበላ ባዕሉ ንስርቅን ሕሸትን ዝተዳለወ ይምስል ብኣብዛሓ። ብዘይካ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ፣ ኣብ ፅላል ገሊ ዘሎ መንእሰይ ብውልቃዊ ረብሓ ዝተፀመደን ለማስን ይመስል።
ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን እዚ ኣሚንካ ኣሜን ኢልካ ምቕባል የድሊ። ብስርቅን ሕሽትን ዝጠልቀየን ዝዓስዐሰን ሰብ ተጋላይ ክኸውን ኣይክእልን። ሕልንኡ’ውን ኣይፈቕደሉን። ናይ ኣተሓሳስባ ዘይኮነስ ናይ ስሪሃ መሪሃ ዓቕሚ ዘለዎ እዩ። ንቓልሲ ዝተፈጠረ ዕድልኛ ወለዶ ኣይኮነን። እዚ ሒዝካ ንበረኻ ምውፋር ዕንወትካ ምምድማድ’ዩ።

ካልእ ናብ ዝኸፈቶ ኩናት ቅድሚ ምውፋር፣ ውሽጥኻ ምፅራይ የድሊ። ኣብ ውሽጢ ብዓንኬላት ተወቒዑ ርእሱ ዘድነነ ቅኑዕ ሓይሊ ምፍላይ የድሊ። እዚ’ውን ንቓልሲ እኹል ኣይኮነን። ተደርብዩን ደምዩ ዝፅንሓን እዩ። ንግዚኡ ዓቕሚ የብሉን።

ድንግርግር ዝበሎ ትግራዋይ ከምዘሎ ኮይኑ፣ “ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብጉዳማት ተጏዕፂፁ” ኢሉ ዝሓርር ምንእስይ ወለዶ ኣብ ደገ ይበዝሕ። እዚ ኣብ ክልተ ይምቀል። ኣብ ውድብ ውሽጢ ዘሎ ክሕደትን ፀረ-ህዝቢ ኣከያይዳን ኣንፀርፂሩዎ መሊኡ ተስፋ ቖሪፁ ኣብ ቃልሲ ዝርከብ፣ሓደ። እዚ ሳዕቤኖም ብዘየግድስ ግዳማዊ ኾነ ውሽጣዊ ኩነታት ተበኣኢሶም ውድቀት ውድብ ምፍጣን ዝመርፅ ‘ምበር ካሊእ ዘተሓሳስቦ ኣይኮነን። ንግዚኡ መቓልስቲ መሓዛ ኳ እንተዘይኮነ ከም ፀላኣኢ ምብያን ብኽፉእ ዓይኒ ክረኣ ዘለዎ ግን ኣይኮነን።

ምናልባሽ ውን “ውድብ በስቢሳ እያ ፥ኣይትዕረን” ዝብል ቅዋሙ ፅባሕ ትኽክል ኮይኑ ክርከብ ይኽእል። ብርግፅ ናይ ትግራዋይ መንነቶም ቀውሲ ዘለዎም ሓደ ሓደ ሰባት መዐቆቢ ምኻኖም የሕዝን። መሬት ተወሰደ፥ ታሪኽ ተመንጠለ ዛዕበኦም ኣይኮነን። ካልእ ተሪፉ
ንግዳማውያን ምሳርሒ ውን ክውዕሉ ይኽእሉ እዮም። ግንከ ከምኡ ኾይኑ’ውን መሰሎም እዩ። እንተተኻኢሉ ብኣተሓሳስባ ኣብ ግንባር ህዝቢ ብምግላፅ ጥራሕ ምንፃል ይከኣል’ዩ። ምስ ፀላእቲ ሓዊስካ ንምውቃጥ ምምኳር ግን ብመትከል ውን ትኽክል ኣይኮነን ብፖለቲካ ውን ኪሳርኡ ይበዝሕ። ምስ ደጋፊኦም ህዝቢ ባዕልኻ ብቐጥታ ምልታም ‘ዩ ክኸውን።
ካብዚኦም ንላዕሊ እቶም ኣብ ውሽጢ ውድብ ኮይኖም ዝበስበሱ ብዙሕ ሓደጋ የብፅሑ።

ካብ ዋና ዛዕባና ኣይወጻናን። ሎሚ መሓዛ ቃልሲ ክኸውን ዝኽእል ካልእ ኣካል እዩ፣ ክልተ። ማሕበራዊ ሚድያን ውራይናን ሓዊሱ ብዝተፈላልዩ መድረኻት ገሊ ኣብ ምንቃፍ ዝነጥፍ ዘሎ ኣባል ዘይኮነ ሰማዒ ስኢኑ’ምበር መማረፂ ሓሳባት ኣብ ምፍላቕ ይርከብ። ናይ ሓሳብ ልዕልና ‘ውን ኣለዎ።
ብተግባር ብዝተኽኣሎ መጠን ኣብ ዘርአዊያን፣ ኣብ መንግስትን ውድብን ተፅዕኖ ክፈጥር ክኢሉ እዩ።
ኣብ ጉባኤ መበል12 ዝተፈጠረ ምንቕቓሕ ብመብዛሕትኡ እዚ መንእስይ ብደገ ኾይኑ ዝፈጠሮ ጸቕጢ ‘ዩ ምባል ይከኣክል፣
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝዓሰለ ፀረ-ድሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ልዕሊ-ሕጊ ክያዶን ዝቃወም እዩ። “ውድቀት ገሊ ግን ሳዕቤኑ ካብ ውድቀት ሓደ ውድብ ዝዛይድ ‘ዩ” ኢሉ ብጽኑዕ ዝኣምን’ዩ።
እንተኾይኑሉ ገሊ ካብ ዝኣተየቶ መዓሙቕ ወፂኣ ውሽጣ ክትቋመትን ትርግታ ልቢ ህዝብ ትግራይ ክተድምፅን ተኽ ዝብል’ዩ። እዚ እዩ ተቓላሳይ!

ካብኡ ወፃኢ ውድብ ተመራሲሓ እያ። ብዕላ ንባዕላ ትፅግን ትኽእል ትኾን’ምበር መድሓኒታ ዝተለመደ ገምጋም ክኸውን ኣይኽእልን። ዝመፅእ ለውጥስ ይትረፍ፣ እቲ ፅገና’ውን ንፅባሕ ዝሓድር ኣይኮነን። ውልቀ ሰባት ኣባሪርካ ኣይትሕከምን።

ቅድሚ ዓዲ ምውዓላ!
——
ገሊ እዚ ዝኣክል ንቁልቁል ዝወረደት ብኣጋጣሚ ኣይነበረን። ንተጋዳላይ ምብራራ፣ ህዝቢ ዘይምድማፃን ነቲ ሓድሽ ወለዶ ብፍላይ ቀለም ዝቖፀረ ድማ ካብ ምጉናያ ዝተልዓለ እዩ። “እንታይ ከየምፅእ” ካብ ዝብል፥ ዓበይቲ መራሕታ ውን ኣብ ውልቀ ረብሓኦም ደርገፍገፍ ክብሉ ስለ ዝመሽዮም። ተቐዲዳ ተቐዳዲዳ ዋንነታ ናይ ውልቀስብን ናይ ሓደ ሰብ ዛዕባ ኮይና ውን ተሪፋ ነይራ።እዚ ሪኡ ዝባፀሐ ታሕተውይ ካድረ፣ “ህዝባዊነት”ን “ወያናይነት”ን ካበይ ከምፀኦ፣ ምንከ ኣምሃሮ?!

ሎሚ ኣብ ውድብ ውሽጢ ኮይኑ ለውጢ ክመፅእ ዝደሊ ቅኑዕ ክፍሊ ሓይሊ ኣመራሓ እንተደኣሎ ምኽሪ ሕሩራት ይስማዕ።
ዝሓለፈ ወለዶ ንትግራይን ንህዝቢ ትግራይን ዘለዎ ሓልዮት ኣብ ልዕሊ ደርጊ ዘካየዶ ምሪር ቃልሲ ኣይዘንጋዕን።ሎሚ ድኻምን እርጋንን ተማሪሖም ምምፅኦም ‘ውን ኣይገርምን።

ክትከአና ኢልኩም ትቋመቱዎ ዘለኹም ኣብ ትሕቲ ውድብ ዘሎ ኣብዘሓ ሓይሊ ግን ባዕሉ ደራዕ እዩ። ክቃለስ ይትረፍ ዕዳ እዩ። ንርእሱ ቃልሲ ከድልዮ እዩ። ብብዙሕ መስዋእትነት ህዝቢ ዘምፃኹሞ ስርዓት ዋጋ ዕዳጋ ዘውርድ ፅግዕተኛ ምኻኑ እመኑ።
ለማፅን ቅዋም ኣልባን እዩ። ገሊኡ ካብዱ ልኻበዶ እዩ፣ ፍርቁ ገና ክበልዕ ልጸጋጋዕ እዩ። ዓንኬሉ ልተውቕዖ ‘ውን ኣይጠፍእን።ገልበጥበጥ ላበለ ልሓድር።

ነዚ ልበስብሰ ካድረ ብኣተሓሳስባ ከሽንፎን ክዘርቆን ዝኽእል ዘይተመራስሓ ብርእሱ ዝተኣማመን፣ ምሁራዊ-ዓቅሚ ዘለዎን ትግራዋይ-ሓብኡ ነቕ ዘይብልን መንእሰይ ጥራሕ እዩ።

እዚ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝርከብ ኣይኮነን። ኣይተውቕዓን ካዓ። ኣብ ውሽጢ ውድብ ዘሎ ቅኑዕ ሓይሊ ተወቒዑ ተድሂሉ እዩ ። ርእሱ ከቕንዕ ዝኽእል ከሽንፍ ምኽኑ እንተኣሚኑ ጥራሕ እዩ። ከሽንፍ ዝኽእል ካፍቲ ዝተለመደ መንገዲ ወፃእ ኣከያዪዳ እንተተመሪሑ ጥራሕ እዩ።
ገሊ ሓዲሽ ንፋስ ከድልያ እዩ። ስትራተጂይዊ ቃልሲ ኣታሃሳስባ ከመንጪው ዝኽእል ኣካል ካብ ደገ የድሊያ ። ነዚ ግፉዕ ሓይሊ፥ ገሊ ኣብዝኣተየት ኣትያ ትእልሾ ይግባእ።

ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዝበስበሰ ኣካላ ክነቅስ ዝኽእል ኣብ ደገ ዘሎ እዚ ሕሩር ትግራዋይ ጥራሕ እዩ። ገሊ ውሽጣ ከየፅረየት ናብ ወፍሪ እንተኸይዳ መን ሒዛ ክተሽንፍ! ፥ ኣብ ኣደባባይ ተዋሪዳ መዓሙቕ ኣትያ፣ ተመላሊኣትና ንሓዋሩ ዓዲ-ውዒል ኮይና ማለት’ዩ።
ኮይኑ ግን ውድብ ናብ 93 ዘይኮነስ ናብ 77 ምልስ ኢላ ኣርሒቓ እንተሪኣ፥ ወዲቕካ ምድሓን ካብ ባዕላ ወፃኢ መምሀሪ ኣየድልያን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *