ህንፀት ኣባይቲ ሚዘር፡ “ኮንትራክተራት ገንዘብና ይበልዕዎ ኣለዉ”

(ቢቢሲ ትግርኛ ዘሐተሞ)

ኣብ ዓመተ 2009 (2017)፡ ኣብ ትግራይ ካብ መንግስቲ እቲ ክልል፡ ኣብ ማእኸላይን ትሑትን ብርኪ መነባብሮ ንዝነብሩ ወገናት ንመስርሒ መንበሪ ገዛ ዝውዕል መሬት ክዕደል እዩ ዝብል ሓደ ብስራት ተሰሚዑ።

ኣብቲ እዋን ብዙሓት ሰባት ክኸውን እዩ ኢሎም ዘይኣመትዎ ብስራት ካብ ክልላዊ መንግስቶም ምስምዖም ሓጎሶምን ናእደኦምን ገሊፆም’ዮም።

ብመሰረት እዚ ድማ፡ ገዛ ዘይብሎም ሰባት ብማሕበር ክውደቡ ብምግባር፡ ን570 ማሕበራት መስርሒ መንበሪ ገዛ ኣብ ከተማ መቐለ ደብሪ ተብሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ፡ 70 ካሬ መሬት ዓዲሉ።

ነቲ ህንፀት ዘድሊ ቀረብ መሳርሒ ብሕሱር ዋጋ ከምዘቕርብን፡ ፕሮጀክት መንበሪ ኣባይቲ ሚዘር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተዛዚሙ ናብ ተጠቀምቲ ከምዝቐርብን እውን ቃል ተኣትዩ።

እዚ ፕሮጀክት ክዛዘመሉ ዝተብሃለ ግዘ ዝቐርብ ዘሎ ብዙሕ ዝተብሃለሉን ቃል ዝተኣተወሉን ፕሮጀክት ኣበይ በፅሐ ብምባል ቢቢሲ እቲ ህንፀት ኣብ ዝካየደሉ ፕሮጀክት ሚዘር ብምኻድ ተዓዚቡ።

እቲ ኣብ ሰፊሕ ሜዳ ደብሪ ዝተጀመረ ፕሮጀክት ኣባይቲ ሚዘር፡ ኣይኮነን ዶ ክውዳእ እቲ መንደር ከምቲ ብዙሕ ዝተብሃለሉ ሃይሃይታ ህንፀት ኣይረኣየሉን።

ኣብቲ መንደር መብዛሕትኦም ሳይታት ኮለን ተኺሎም ህንፀት ዘየካይዱ፣ ገና ኣብ ሰረት ዝርከቡን ሙሉእ ብሙሉእ ህንፀት ዘይጀመሩን ኣለዉ።

“ወግሐ ፀብሐ ገንዘብ ወስኹ”

ወይዘሮ ኪሮስ ብሉፅ ካብቶም ተጠቀምቲ ኣባይቲ ሚዘር ሓንቲ እየን። ኣብ ማሕበረን ምስ ዝርከቡ 20 ኣባላት ብምዃን ሙሉእ ክፍሊት እየን ከፊለን። ይኹን እንበር ብምኽንያት ምኽባር ቴንዲኖ (ብረት) ተወሳኺ ክፍሊት ገንዘብ ንክኸፍሉ ብተኾናታሪ ከምዝተነገሮም ይዛረባ።

“ፍርቅና ሙሉእ ክፍሊት 120 ሽሕ፡ ፍርቂ ኣባል ማሕበር ድማ ካብ ደደቢት 48 ሽሕ ብምልቃሕ፡ ልዕሊ 2 ሚልየን ብር ኢና ከፊልና።

ሕዚ ግና ገንዘብ ስለዝወሓደን ቴንዲኖን ስለዝኸበረን ኢሉ ነንሕድሕድና 20 ሽሕ ብር፡ ብሓፈሻ 400 ሽሕ ብር ክፈሉኒ ኢሉና። እዚ ንዓና ከቢድ ስለዝኾነ ህንፀት ካብ ዝቋረፅ 5 ኣዋርሕ ገይሩ” ይብላ፤ መብዛሕትኡ ሰብ ተደራራቢ ተወሳኺ ክፍሊት ይኸፍል ከምዘሎ ብምግላጽ።

መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ገብረመድህን ገብረሚካኤል እውን፡ ማሕበሮም ኣብዚ ሕዚ እዋን ትሑት ኣፈፃፅማ ካብ ሞንጎ ዘለወን ማሕበራት ኣብ ቅድሚት ከምትስራዕ ብምግላፅ፡ ተኾናተርቲ እኹል ቀረብ መሳርሒ ህንፀት የለን ብዝብል፡ ከምዘጓተትሎምን መንግስቲ ነዚ ፕሮጀክት እዚ እኹል ቅድመ ምድላው ስለዘይገበረሉ’ዩ ብምባል ይነቕፉ።

ወይዘሮ ታቦቱ ግርማይ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ እንትኾና፡ ዕደላ መሬት ኣባይቲ ሚዘር ካብ ዘሐጎሶም ወገናት ሓንቲ እየን።

“በዚ ሕዚ እዋን ሰራሕተኛ መንግስቲ ወርሒ ካብ ወርሒ ብዝኽፈላ መሃያ ገዛ ክገዝእ ዘይሕሰብ እዩ። እዚ ዕድል ምስ መፀ ዋላ እኳ ዓቕሚ እንተዘይሃለወኒ፡ ተለቂሐ እቲ ናይ መጀመርታ ቅድመ ክፍሊት ጥራሕ እየ ከፊለ” ይብላ። ብዙሕ ተስፋ ዝገበራሉ እዚ ዕድል ግና ገንዘብ ምስ ከፈላ፡ ዝተጀመረ ህንፀት ምቁራፁ ከምዘሕረቐን ብምግላፅ።

መምህር ገብረመድህን ምስ ካልኦት ኣባላት ማሕበሮም ብምዃን 20 ሚእታዊ ማለት እውን ኣስታት 1 ሚልየን ብር እዮም ከፊሎም። ይኹን’ምበር ሓመድ ካብ ምምላእ ብዝዘለለ ዋላ ሓደ ስራሕ እንከይሰርሐ ተወሳኺ ክፍሊት 10 ሚእታዊ ወስኹ ብምባል ደሃዩ ኣጥፊኡልና ይብሉ።

“ገንዘብና ንናይ ባዕሎም ዕላማ ይጥቀምሉ ኣለዉ”

ብመንግስቲ ግቡእ ምሕደራ ስለዘይተገበረሉ ኮንትራክተራት ንዘለዉ ክፍተታት ተጠቒሞም፡ ናይቲ ማሕበርተኛ ገንዘብ ኣብ ዘይመዓልኡ የውዕልዎ ኣለዉ ኢሎምና መምህር ገብረመድህን።

“ኮንትራክተራት ቀረብ የለን ብምባል ንናይ ባዕሎም ዕላማ’ዮም ዝጥቀምሉ ዘለዉ። ምስኦም ዝጀመሩ ካልኦት ተኾናተርቲ፡ እቲ ዝተወሃቦም ገንዘብ ነቲ ህንፀት ዘድሊ ስሚንቶን ቴንዲኖን ኣቐዲሞም ገዚኦም ብምኽዛን፡ ሕዚ ዘሎ ሕፅረት ከም ምኽንያት ኣይተጠቐምሉን”።

ዝበዝሑ ተኾናተርቲ ገንዘብ ህዝቢ ብምውሳድ ከም መጣየሽን መሰጋገርን ከምዝተጠቐምሉ ዝዛረቡ መምህር ገብረመድህን፡ ናህቶም ተኾናታሪ እንድሕር ዘይወሲኽኩምኒ ብዝብል ምኽንያት ደሃዩ ከምዘጥፍአሎም ከም ኣብነት ይገልፁ።

“እቲ ፈለማ ዝሃብናዮ 20 ሚእታዊ ብኣግባቡ ኣይተጠቐመሉን። ሓመድ ካብ ምምላእ ወፃኢ ዝሰርሖ የለን። እሱ እንከይሰርሐ እዩ 10 ሚእታዊ ወስኹ ኢሉና”። መብዛሕትኦም እቲ ገንዘብ ኣቐዲሞም ንውልቀ ረብሕኦም ኣብ ካልእ ፕሮጀክት ስለዘውዐልዎን እቲ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ስለዘየለን ሕዚ ዘሎ ፀገም ኣጋኒኖም ከም ሽፋን እዮም ዝጥቀምሉ ዘለዉ” ኢሎምና።

ተኾናተርቲ ብቕዓት የብሎምን”

ካብ ቀረብ መሳርሒ ህንፃ ብተወሳኺ፡ ጉዳይ ብቕዓት ተኾናተርቲ ብማሕበረኛታት ብተደጋጋሚ ዝለዓል ጉዳይ እዩ።

ኣይተ ብርሃኑ ታደሰ ፍልፍል እዚ ኩሉ ሕዚ ዘሎ ፀገም ፈለማ እኹል መፅናዕቲ እንከይተኻየደ ነቲ ፕሮጀክት ዘይምጥኑ ተኸናተርቲ ብምምዳቦምን ኣብ ሞንጎ ጉናን ተኸናተርትን ምዕሩይ ኣሰራርሓ ብዘይምህላዉ ምዃኑ ይገልፁ።

“ቢሮ ኮንስትራክሽንን መጓዓዝያን ተኸናተርቲ ክምድብ እንከሎ ብዘይመፅናዕቲ እዩ መዲቡ። ናትና ኮንትራክተር ዋላ ሓደ ስራሕ ልምዲ ዘይብሉ’ዩ፡ ብዘይ ልምዲ ንኣና ሓዊሱ ኣርባዕተ ማሕበራት ሒዙ” ይብሉ።

መብዛሕትኦም ተኾናተርቲ፡ እቲ ዕድል ከይሓልፎም ጥራሕ፡ መሃንዲሳትን ሰብ ሞያን ኣለዉኒ ብዝብል ናይ ‘ሓሶት ወረቐት’፡ ከምዝተቖፀሩን፡ እዚ ድማ ኣብ ባይታ ናብ ስራሕ እንትኣትዉ ፅሬት ዘይብሉ ህንፀት ንኽካየድ ምኽንያት ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ።

“ቢሮ ኮንስትራክሽን ፍቓድ እንትህብ፡ ተኸናተርቲ ኣብ ባይታ ዘየለ ናይ ሓሰት ወረቐት ሒዞም እዮም ከይዶም፤ ሓደ መሃንዲስ ዝቖፀረ ተኾናታሪ የለን። ነዚ ፍቓድ ዝሃበ ቢሮ ኮንስትራክሽን እውን ኣብ ባይታ መፅዩ ኣየረጋገፀን” ብምባል ንቢሮ ኮንስትራክሽን መጓዓዝያን ይወቕሱ ኣይተ ብርሃኑ።

ሓላፊ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረኪሮስ ግና፡ እቲ ህንፀት ናይ ውልቀ ስለዝኾነ፡ ኣብ ሞንጎ ተኸናተርትን ማሕበርተኛን ብዝተፈፀመ ውዕሊ እዩ ዝካየድ ዘሎ” እዮም ዝብሉ።

“ኣብታ ክልል ካብ ዘለዉ ተኸናተርቲ ዝሐሹ ዝበሃሉ፡ ካብ ደረጃ 6 ክሳብ ደረጃ 1 ኣራኺብናዮም። ደረጃ 9፣ 8ን 7ን ኮንትራክተራት ነይሮም እዮም፤ ማሕበርተኛታት ኣይንደልን ስለዝበሉ ግና ብድሌቶም መሰረት ኢና ኣቕሪብናሎም” ይብሉ።

“20 ሚኢታዊት ተኾናተርቲ ገንዘብ ማሕበርተኛ በሊዖሞ “

ኣብ ተኾናተርቲ ብቕዓት ዘይምህላውን ስዒቡ ኣብቲ ህንፀት ዝረኣይ ዘሎ ዕንክሊል ‘ትልሚ ተፈፂሙ ንክበሃል ጥራሕ፡ ኣብ ናይ መንግስታዊ ቢሮታት ሕማቕ ድሕረ ባይታ ዝነበሮም ተኾናተርቲ እንከይተረፉ፡ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ከምዝተገበረ፡ ገሊፆምልና ኣይተ ብርሃኑ።

ከይዲ ህንፀት ኣባይቲ ሚዘር ብሓቂ ብምኽንያት ምስኣን ቶንዲኖ ህንፀት እንተድኣ ቷቛሪፁ፡ ኣብቲ መንደር ኣብ ሞንጎ ዘለዉ ሳይታት ክንድዚ ዝኣክል ኣፈላላይ ብኸመይ ክፍጠር ክኢሉ? ንላዕለዋይ ተቖፃፃሪ መሃንዲሳት ኣባይቲ ሚዘር ኢንጅኒየር ህላዌ ሓዱሽ ኣዘራሪብናዮም።

ቀንዲ ምኽንያት ምጉታት ህንፀት ኣባይቲ ሚዘር፡ ቴንዲኖ የቕርብ ዝነበረ ጉና ኣብዚ ሕዚ እዋን ቴንዲኖ ኣብ ዕዳጋ የለን ብዝብል፡ ምቕራቡ ብምቁራፁ እዩ ይብሉ።

ይኹን እንበር፡ ቴንዲኖ ኣብ ዘየለወሉ ኩነታት ከመይ ገይሮም ካልኦት ማሕበርተኛታት ዝሰርሕሉ፡ ካልኦት ድማ ገና ዘይጀመርሉ ኩነታት ይህሉ? ብሓቂ እዚ ጥራሕ ድዩ እቲ ምኽንያት ኢልናዮም።

20 ሚእታዊ ተኸናተርቲ፡ ናይ ማሕበርተኛታት ገንዘብ ንውልቀ ረብሕኦም ዘውዓሉ ከምዘለዉ ድማ ኣረጋጊፆምልና።

“ተኾናተርቲ ካብ ማሕበርተኛ ዝተቐበልዎ ገንዘብ፡ ተጓይዮም፡ ዘድልይ ኣቑሑት ዝገዝኡ ዘለዉ እንትኾን፡ ዝተቐበልዎ ገንዘብ ኣብ ናይ ውልቆም ጣጣ ዘውዓሉ ተኾናተርቲ’ዉን ኣለዉ እዮም” ይብሉ ኢንጅነር ህላዌ።

እዚ እናተፈለጠ ህዝቢ ኣብ ፀገም ከምዘሎ እናርኣኻ፣ ገንዘብ ህዝቢ እናተበልዐ፣ ሞራል ማሕበርተኛ እናተሰበረ፡ ከም ተቖፃፃሪ መሃንዲስ ንምንታይ ስጉምቲ ዘይተወሰደ? ቢቢሲ ዘቕረበሎም ሕቶ እዩ።

“ተኸናተርቲ ብመሰረት ውዕሊ እቶም ኣባይቲ ሃኒፆም ከረክብሉ ዝግባእ ግዘ ድሕሪ 2 ወርሒ ስለዝኾነ ሻቡ ኢና እንሓቶም፤ ተቖፃፃሪ ጥራሕ እንተይኮነስ እቲ ህዝቢ እውን ባዕሉ መፅዩ ክቖፃፀር ይግባእ” ይብሉ።

ሓላፊ ስራሕቲ ንግዲ ጉና ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ጨንፈር መቐለ፡ ኣይተ በርሀ ደስታ፡ ጉና “ክሳብ ሕዚ እቲ ፕሮጀክት ዝጠልቦ በዓል 8፣ 10፣ 12፣ 14፣ 16 ዓይነታት ቶንዲኖ ነቕርብ ኣለና ኢና፡ ዋላ እኳ እኹል እንተዘይኮነ ምቕራብና ግና ኣየቋረፅናን፡ ኮንትራክተራት በብመዓልቱ እናመፅኡ ስሚንቶን ቶንዲኖን ይወስዱ ኣለዉ እዮም” ኢሎምና።

ኮንትራክተራት እንድሕር በብመዓልቱ ካብ ስራሕቲ ንግዲ ጉና ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ጨንፈር መቐለ ቶንዲኖን ስሚንቶን ዝወስዱ ኣለዉ ኮይኖም፡ እቲ ህንፀት ንምንታይ ተቛሪፁ? እቲ ዝወሰድዎ’ኸ ኣብ ምንታይ ኣውዒሎሞ?

ቢቢሲ እዚ ጉዳይ ንምፅራይ ምስ ሓደ ሓደ ተኾናታሪ ቆፀሮ ሒዙ’ኳ እንተነበረ፡ ቃለ-መሕተት ንምክያድ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝደወልናሉ ግዘ ስልኩ ከምዝተዓፀወ ፈሊጥና።

“3500 ቶን ቶንዲኖ ተሓቢኡ”

ምክትል ሓለፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዱስትርን ትግራይ ኣይተ ዳንኤል መኮነን፡ ብሕብረተሰብ ዝለዓል ጥርዓናት ትኽክል ከምዝኾነን፡ 8 ዓበይቲ ነጋዶን ኣምፃእትን ቶንዲኖ ሓቢኦም ከምዝተረኸቡን ትካሎም ከምዝተዓሸገን ገሊፆም።

“ኣብ ከተማ መቐለ ሓሚዳይን ዓይደርን ኣብ ዝተብሃሉ ከባብታት ተፍትሽ ብምክያድ 5 ኣምፃእቲ ቶንዲኖን 3 ነጋዶን ቶንዲኖ ሓቢኦም ረኺብናዮም” ኢሎምና።

ስራሕቲ ንግዲ ጉና ክሳብ ሕዚ ናብ ኣባይቲ ሚዘር ቶንዲኖ የቕርብ ኣለኹ ዝበሎ ግና፡ ‘ጉና ትኽክል ኣይኮነን’ ይብሉ ኣይተ ዳንኤል መኮነን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንህንፀት ኣባይቲ ሚዘር መቐለ 28 ሽሕ ቶን ቶንዲኖ ከምዘድሊ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፡ እቲ ብውልቀ ነጋዶን ኣምፃእትን ዝተኸዘነ 3500 ቶን ቶንዲኖ፡ ንኣባይቲ ሚዘር ብ10 ሚእታዊ ስለዝሽፍን፡ ምስ ነጋዶ ብምርድዳእ ንማሕበርተኛታት ሚዘር ክህብዎም ይሰርሑ ከምዘለዉ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ሓላፊ ልምዓት ኣባይቲ ክልል ትግራይ ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ኣብርሃ፡ ተኾናተርቲ ገንዘብ ማሕበርተኛታት ንውልቆም የውዕሉ ኣለዉ ከም ቢሮ ጥርዓን ማሕበርተኛታት ብምስማዕ ንምንታይ ከምዘይተፃረየ ሓቲትናዮም።

“እቶም ተኾናተርቲ ውዕሎም ኣብ ዝውድእሉ ግዘ ብሕጊ ክሕተቱ እዮም፡ እቲ ቢሮ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነዚ ጉዳይ ከፃርይ ግና ኣይኽእልን” ኢሎምና ሕፅረት ቶንዲኖ ከምዘሎ ብምግላፅ።

ኣይተ ተስፋይ ገብረኪሮስ ብወገኖም፡ ክልል መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ትኹረት ብምሃብ፡ ጉና ቴንዲኖ ከምፅኣሉ ዝኽእል ኩነታት ንምፍጣር ምስ ብሄራዊ ባንኪን ሚኒስትራት ፌደራልን ብምዝርራብ ቴንዲኖ ካብ ደገ ዝኣትወሉ፣ ኣብ ሃገር ዝርከባ ፋብሪካታት ድማ ንክህባና እናሰራሕና ኢና” ክብሉ ሓቢሮም።

መፃኢ ዕጫ ኣባይቲ ሚዘር?

ብዙሓት ሰባት ህንፀት ኣባይቲ ሚዘር ኣብ ሓደ ዓመት ክውዳእ እዩ ዝብል ተስፋን ሓቦን ሰኒቖም ከይዲ እቲ ህንፀት እኳ እንተጀመሩ፡ በቲ ዘሎ ኩነታት ግና ቀቢፆም፡ ዝተውሃብዎ መሬት ንሃፋትም ይሸጥዎ ከምዘለዉ ሰሚዕና።

“ናህሪ ኣቑሑት ህንፀት ብዝወሰኸ ቁፅሪ እናወሰኽካ፡ እሞ ድማ ንገዛ ክራይ ብወርሒ 2 ሽሕ ብር፡ ንቆልዑ ትምህርትን ልቓሕ መምለሲ ልዑል ወለድ እናኸፈልካ፡ እዚ ኩሉ ምስ መነባብሮኻ እንትድመር፡ ከቢድ እዩ” ይብሉ መምህር ገብረመድህን።

ካብ ትካል ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ዝተለቅሖ ልቓሕ ንምምላስ እውን ልዑል ክፍሊት ወለድ እዩ ዝኸፍል ዘሎ፡ ቅድሚ ሕዚ 11.9 ሚእታዊ ዝነበረ ኣብዚ ሕዚ እዋን 13.9 ሚእታዊ ወለድ እዩ ዝኸፍል ዘሎ።

ኣብቲ ፕሮጀክት ዝረኣዩ ተቐያያሪ ወሰኻት ዋጋ ቀረብ ህንፀት፣ በብግዚኡ ዝውስኽ መጠን ወለድ ልቓሕን ዘይምዕሩይ ምሕደራን ምጉታትን፡ እዚ ፕሮጀክት ዝቐሃመ ፕሮጀክት እዩ” ክብሉ ሓሳቦም ይዛዝሙ።

ወይዘሮ ኪሮስ እውን፡ “ወዮ ንድኻታት ዝተብሃለ መሬት፡ ሕዚ ተመሊሱ ናብ ኢድ ሃፋትም እዩ ዝኣቱ ዘሎ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እውን ዝውዳእ ኣይመስለንን” ኢለናና ብጓሂ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *